ኣብ ትግራይ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩን፣ ኩይናት ብዘስዖቦ ቕልውላው ዝሞተ ህዝቢ

ኵሉ ሓበሬታ ኣብዚ ወብሳይት እዚ ብተባዕታይ መልክዕ ኢዩ ዝግለጽ። እዚ ንዋላ ሓደ ሰብ ከነወግድ ኢልና ኣይኮንናን ገይርና። ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ ሰብኡትን ኣንስትን ክሳተፉ ኢና መድብ ገይርና።


ኣብ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ብዘጋጠመ ቅልውላው ብሰንኪ እቲ ብቐፃሊ ይካየድ ብዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ተወሰኺ ንናይ ሲቪላዉያን ሞት፤ ምዕናዉ  መሰረተ ልምዓትን  ቀረብ ግልጋሎት ጥዕና ከም ዝቋረፅ ከምኡውን ፀገም ዉሕስነት ምግቢ ክህሉ ገይርዎ እዩ። ብሰንኪ መስርሕ ምዝገባ ሞት ዘይምህላዉ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ዘስዐቦ በዝሒ ሞት ብትክክልንምርዳኡ ኣፀጋሚ ንክኽውን ገይርዎ እዩ። ቁፅሪ ምጣነ ሞት ደቂ ሰባት ቀንዲ መለክዒ ጥዕና ህዝቢ እዩ፣ ናይ ዝኾነ ቅልውላው ሳዕቤን ንምቅላዕ ይሕግዝ ከምኡዉን ብዛዕባ ግቡእ ኣመዳድባ ሃብቲ ብመረዳኢታ ዝተደገፈ ውሳነ ንከወን ይገብሩ።

ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ London School of Hygiene & Tropical Medicine (LSHTM) ተመራመርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢና። ብብዙሕ ሜላታት ዝተገበረ መጽናዕቲ ተጠቒምና ኣብ ትግራይ ንዘሎ ናይ ሞት መጠን ንምግማት ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ምሁራትን ተመራመርትን ብቐረባ ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና። ሓደ ካብዞም ሜላታት እዚ ምስ ዲያስፖራታት ትግራይ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተገበረ መፅናዕቲ እዩ።

ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ’ዚመፅናዕቲ እዚ ብምስታፍ፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ መጠን ሞት ብዝግባእ ንኽንርድኦ ክሕግዙና ክንዕድሞም ንደሊ። ኣብዚ መፅናዕቲ እዚ ንምስታፍ ብኢንተርኔት ካብ 20-25 ደቒቕ ዝወስድ ናይ ፅሑፍ ቃለ መሕትት ቅጥዒ ምምላእ ዘጠቓለለ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ብዛዕባ ናይ ቀረባ ስድራ ቤት (ማለት ብዛዕባ ወለዲ፣ ብዓል ሓዳርካ፣ኣሕዋት፣ ከምኡውን ደቂ ሓፍት ሞት ብዝምልከት ሓበሬታ ይሓትት። እቲ መፅናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ምስጢራዊነቱ ዝሓለወ እዩ ፣ ስምካ ኣይንሓትትን ኢና ወይ ንዓኻ ዀነ ንዝዀነ ይኹን ኣባል ስድራ ቤትካ ከለልየካ ዝኽእል ሓበሬታ ኣይንሓትትን ኢና። ነታ ሕቶ ምስ ወዳእኻያ፣ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢኻ ሓሙሽተ ተጋሩ (ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብሩ) ኣብ’ዚ መፅናዕቲ እዚ ንኽሳተፉ ኽትዕድሞም ንላቦውካ።

ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ተወሳኪ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ ጠውቅ። ኣብ ታሕቲ እውን ብተደጋጋሚ ዝሕተት ሕቶታት ኣካቲትና ኣለና። ብዛዕባ እቲ መፅናዕቲ ሕቶታት ንምሕታት እውን ብኣድራሻና ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ።

ብትግርኛ/እንግሊዝኛ ሕቶታት ክትሓትት እንተደሊኻ፣ ንሳራ ካሲዲ ሥዩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረክባ ትክእል Sarah Cassidy-Seyoum.  


ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

ዕላማ እቲ መፅናዕቲ እንታይ እዩ?

ዕላማ እዚ መፅናዕቲ እዚ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉን ዝንቀሳቀሱ ናይ ግብረ-ሰናይ  ተዋሳእቲ፣ ድርጅታት፣ ናይ መንግስቲዊያን ዘይመንግስታዊያን ትካላት ተሳትፎ ዘለዎም ሰባት ከምኡውን ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ነዚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ  ቅልውላው እንታይ ምላሽ ከም ዝህቡ ንምሕባር እዩ። እዚ መፅናዕቲ እዚ ኣብ ትግራይ ሞት ህፃዉንቲን ዓበይትን ክሳብ ክንደይ ይለዋወጥ ከም ዘሎ መርትዖ መረዳእታ ክፈጥር ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብዚ መፅናዕቲ ክሳተፍ ዝተሓተትኩ ስለምንታይ እዩ?

ኣብዚ መፅናዕቲ ክትሳተፍ ዝኽኣልካ ሓደ ካብ ፈተውትኻ፣ ኣዝማድካ፣ ወይ መሳርሕትኻ ንክትሳተፍ ስለዝዓደመካ፤ ናይ ትግራይ ድሕረ ባይታ እንተሃልዩካ፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ተቐማጣይ እንትኮይንካ፤ ከምኡውን ነቲ መፅናዕቲ ኣብ ክንዲ ናይ ቀረባ ስድራ ቤትካ ክትመልኦ ትኽእል እንተኮይንካ ኣብዚ ንኽትሳተፍ ብቑዕ ኢኻ። ብዛዕባ ህያዋንን ዝሞቱን ኣባላት ስድራ ቤትኩም ኣብ ትግራይን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ሓበሬታ ክንእክብ ንደሊ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ተጋሩ ተሳተፍቲ  ክንረክብ ኢና ንደሊ።

ኣብዚ መፅናዕቲ ክሳተፍ ኣለኒ ድዩ?

ኣብዚ መፅናዕቲ እዚ ብወለንተካ ክትሳተፍ ምርጫኻ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ምስታፍ እንታይ ከም ዘጠቓልል ከም ተረድኣካን ከለልየካ ዝኽእል ሓበሬታ ኸም ዘይንሓትተካን ከተረጋግፅ ክሓተካ እዩ። ነቲ መፅናዕቲ ምስ ጀመርካዮ እውን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክተቋርፆ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ መፅናዕቲ ምስታፍ ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ?

አብዚ መፅናዕቲ ምስታፍ ብዛዕባ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትካ (ማለት ብዛዕባ ወለድኻ፣ በዓልቲ ቤትካ፣ ኣሕዋትካ፣ ከምኡውን ደቂ ሓፍትኻ/ደቂ ሓውካ) ብኢንተርኔት ዝግበር ሕቶታት መልሲ ናይ ምሃብ ተግባር ምውዳእ የጠቓልል። እቲ መፅናዕቲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ዝርዝር ሓበሬታ (ንኣብነት ጾታ፣ ዕድመ፣ ሞይቶም ወይ ብህይወቶም ኣለዉ’ዶ፣ ከምኡ ምስ ዝኸዉን፣ ኣበይን ብኸመይን ከምዝተቀተሉን ዝምልከት) ንክትህብ ይሓትት። ከምኡ ውን ብዛዕባ ገምጋም ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ናይቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ገለ ሕቶታት እዉን ዘጠቓልል እዩ።

ነቶም ሕቶታት ምስ ወዳእኻዮም ካብ ማሕበራዊ መራኸቢኻ ሓሙሽተ ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ መፅናዕቲ ክዛዝሙ ክትዕድሞም ክትሕተት ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትካ ዘለዉ ኻልኦት ሰባት ደቅኻ፣ ኣሕዋትካን፣ ወለድኻ፣ ደቂ ሓፍትኻ፣ ደቂ ሓውካ፣ ሓትኖታትካ ኣሞታትካ ወይ ሓወቦታትካ፣ ኣኮታትካ ወይ ካብ ስድራ ቤት በዓልቲ ቤትካ፣ ክሳብ ዘይኮኑ አብዚ መፅናዕቲ ንኽሳተፉ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ።

ዝከኣል እንተ ዀይኑ፣ ነቲ መፅናዕቲ ነቶም ካብ ስድራ ቤትካ ወፃኢ ኮይኖም ኣብቲ መፅናዕቲ ንዘይተኻፈሉ ሰባት ከተካፍሎም ክንሓትተካ ኢና። ሓሙሽተ ሰባት ክትዕድም ነዘኻኽረካ እንተኾነ ግን ከምኡ ኽትገብር ድልየት እንድሕር ዘይሃልዮካ ኣይትግደድን ኢኻ። ነቲ መፅናዕቲ ምስ ወዳእካዮ እቲ ቅጥዒ ንኻልኦት ብምስጢር ንኽትዕድም ናብ ዘኽእለካ ዌብ ሳይት ክወስደካ እዩ። እቲ ቅጥዒ ንዘቕረብካዮም ዝርዝር ኣድራሻታት ምሽጥራውነት ንምሕላው እቲ ዕድመ ብኮምፒተር እዩ ዝለኣክ።

ኣብዚ መፅናዕቲ እዚ ምክፋለይ ገለ ሓደጋታት ወይ ጥቕምታት ኣለዎ ዶ?

እዚ መፅናዕቲ ዘሕዝኑኻ ወይ ዘሕርቁካ ፍፃመታት ናይ ምዝኽኻርካር ሓደጋ ተኽእሎ ኣለዎ። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ነቲ መፅናዕቲ ምላሽ ምሃብ ከተቋርፆ እንተ ደሊኻ ከተቋርፆ ትኽእል ኢኻ። ኣብዛ ድሕረ ገፅ እዚኣ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ብዝምልከት ሓደሓደ ጠቀምቲ ፍልፍላት ሓበሬታ ምንጭታት ርኸብካ ኣንብብ። ኣብቲ መፅናዕቲ ብምስታፍካ ዋላ ሓንቲ ውልቃዊ ረብሓ ኣይህልወካን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ እትህቦ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቕልውላው ከምኡውን ብዛዕባ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምኳኑ ግብረ-ሰና ትካላት  ክግንዘቡ ዝገብር እዩ። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ መርትዖ ክኸውን ከምኡዉን ነቲ ንናይ ግብረቲ-ሰናይን ካሎኦት ተዋሳእቲ ኣካላት ዝገበርዎ ናይ ሃብቲ/ነገራት ምምዳብን ንዋታዊ ሓገዛት ብዝምልከት ኣብ  ውሳነታቶም ከመሓይሾን ኽሕግዝን ተስፋ ንገብር። ነቲ ቐፃሊ ዝዀነ ቕልውላው ንምፍታሕ እውን ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ።

እቲ ዝገበርክዎ ተሳትፎ ምሽጥራዊነቱ ዝተሓለወ ድዩ?

እወ። ኣብ እዋን እቲ መፅናዕቲ ብዛዕባ ባዕልኻ ኮነ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ ቤትካ ዝገልፅ ሓበሬታ ኣይትሕተትን። ስማት ወይ ኣድራሻታት እውን ኣይንሓተካንን። እቲ ቅጥዒ ንናይቲ መፅናዕቲ ዕላማ ጥራሕ ንምስኻዕ ዉስን ሓበሬታ ንምሕታት ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ዋላ ሓደ ሰብ (ንኣባላት እታ ጕጅለ መፅናዕቲ እውን ሓዊሱ) ንዓኻ ኮነ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ከለልየካ ኣይክእልን። ነቲ መጽናዕቲ ናብ ካልኦት ክትልእከሎም ክንሓተካ ኢና፣ እዚ እውን ምሽጥራዊነቱ ክሕሉ ክግበር እዩ።

ኩሉ እትህበና ሓበሪታታት ኣብ ፅኑዕ ክቅመጥ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ምስ ተዛዘመ ካልኦት ነቲ ዝገበርናዮ ትንተና ምእንቲ ኽደግሙን ገምጋምና ምእንቲ ከረጋግፁን ነቲ ሓበሬታ ክንሓትሞ ኢና። እቲ ዝተሓተመ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ውልቃዊ መረዳእታታት ብምሽጥራዊነት ዝሓዘ ክኸውን እዩ።

ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ብኸመይ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል?

ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ብመልክዕ ፀብፃብን ከም ውንኡ ሓደን ካብኡ ንላዕሊን ኣብ ዝኮኑ ሳይንሳዊ መፅሄታት ክሕተም እዩ። ኣብ ትግራይ ንዝነጠፉ ገበርቲ ሰናይን ተመራመርትን ውድባትን እውን ክቐርበሎም እዩ። ናይ መወዳእታ እተሕትም ፀብፃብን ካልኦት ፅሑፋትን ኣብዚ ድሕረ ገፅ  እዚ ክንልጥፎም ኢና።


Photo of Tigray.